Welcome
Integrating into a new city is an important step towards building a stable, confident, and fulfilling life. This page is designed to support Eritreans living in Glasgow by providing practical guidance, opportunities for learning, and ways to actively participate in the wider community.
Our aim is to help individuals access education, understand Scottish culture, contribute positively, and feel a true sense of belonging in Glasgow.
ውህደት ናብ ሓድሽ ከተማ እምበኣር እቲ ኣገዳሲ መገዲ ናብ ርግኣት፡ ርእሰ-ምትእምማንን ምቹእነት ህይወትን እዩ። እዚ ገጽ ድማ ኣድላይ ሓገዝ ንኤርትራውያን ነበርቲ ግላዝጎ፡ ጠቀምቲ መምርሒታት፡ ዕድላት ትምህርቲን ንጡፍ ተሳታፍነት ኣብ ማሕበረ-ሰብ ግላዝጎ ንምውህሃድን ዕላማ ብምግባር ዲዛይን ኮይኑ። ዕላማና ድማ ብደረጃ ዉልቀ-ሰብ ዕድል ናይ ትምህርቲ፡ ኣፍልጦ ባህሊ ናይ ስኮትላንድ፡ ኣወንታዊ ኣበርክቶን ብእኡ ኣቢልካ ድማ እትነብረላ ከተማ ግላዝጎ ናይ ዋንነት ስሞዒት ክፈጥረልካ ምኽኣል እዮ።
ትምህርቲ
1. ቛንቛ እንግሊዘኛ ኣብ መዓልታዊ ርክባትን ኣብ ስራሕን ኣዝዩን ኣገዳሲ ከም ምዃኑ መጠን፡ ኣብ ከተማ ግላዝጎ ናይ ቛንቛ ትምህርቲ ኢሶል(ESOL) ብናጻ ወይ ድማ ብኣዝዩ ትሑት ክፍሊት ናይ ትምህርቲ ኣብ ኮለጃት፡ ማእከላት ማሕበረኮምን ዝተፈላለያ ናይ ግብረ-ሰናይ ትካላት ኣገልግሎት ክትረክቡ ትኽእሉ።
2. ናይ ኮሌጅ ትምህርቲ ክትክጽል ምስ ትደሊ ኣብ ግላዝጎ ዝተፈላለያ ኮሌጃት ይርከባ። ገለ ካብ`ቲ ዝህብኦ ትምህርቲ ድማ፡
- ንግድን ምሕደራን
- ምህንድስናን ስነ-ህንጻን
- ጥዕናን ማሕበራዊ ትምህርትን
- ፈጠራዊ ኢንዱስትሪ
- ሓበሬታ ቴክኖሎጂን ስነ-ኮምፑተር
- ስነ-ሕሳብ፡ ቱሪዝምን ተወሰኽቲ ስልጠናታትን
ንዝያዳ ሓበሬታ ናይ ትምህርቲ
ኣብ ታሕቲ ዘሎ ዝርዝር ብምጥዋቅ ኣገልግሎት ትረክቡ
ባህሊ ናይ ስኮትላንድ
ባህሊ ናይ እትነብረሉ ቦታ ምፍላጥ ኣብ ዘለካ ዝምድናታት ወይ ርክባት ምስ ደቂ ዓዲ ኣዝዩ ሓያል ይገብረካ ብተወሳኺ ድማ ርእሰ-ምትእምማንካ ኣዝዩ ዓቢ ይኸውን።
እዚ ክንብል ከለና ገለ ናይ ስኮትላንዳውያን ክብርታት ንምጥቃስ፦
- ሓድሕድ ክብረትን መዓርነትን
- ሰዓት ቆጸራ ምኽባር
- ትሕትና ዘለዎ ዝርርብ
- ኣብ ዝተፈላለየ ማሕበራዊ ንጥፈታት ምስታፍ
ኣብ ግላዝጎ ዝግበሩ ፈስቲቫላት፡ በዓላትን ማሕበራዊ ንጥፈታት ከም ወለንታዊ ኣገልግሎት ኣብ ትካላት ሓቢርካ ምስታፍ ብዛዕባ ባህሊ፡ ልምድን ናይ መዓልታዊ ሂወት ዜጋታት ንክትፈልጥ ይሕግዝ።
ባህላዊ ምልውዋጥን ማሕበራዊ ንጥፈታትን
ውህደት(Integration) ክልቲኣዊ መስርሕ እዩ፡፡ ናይ ኤርትራ ባህሊ እንዳ ኣፋለጥካ ካብ ልምድታት ናይ ስኮትላን ድማ አንዳተማሃርካ ነቲ እትነብረሉ ሕብረተሰብ ተወሳኺ ሓይሊ ትፈጥር ኣለኻ። ብቀሊሉ ገለ ካብ ዝህልወካ ረብሓታት ንምጥቃስ፦
- ሓደስቲ ሰባት ትላለ
- ምሕዝነት ተደልድል
- ሓባራዊ መረዳእታ ክህልው ትገብር
